Entay Emo

Entay Emo

Andit Okbay

Альбом: Wegeney
Длительность: 6:21
Год: 2009
Скачать MP3

Текст песни

ኣማኒተይ ኢለ ክኣምን ሓሊነ
እምነት መጢወልኪ ኣነስ ገርሂ ኾይነ
ተመን ክንስኺ ርግቢት ተመሲልኪ
ልበይ ደፊንክዮ ብቓል ሓባቢልኪ
ልበይ ደፊንክዮ ብቓል ሓባቢልኪ

ኣማኒተይ ኢለ ክኣምን ሓሊነ
እምነት መጢወልኪ ኣነስ ገርሂ ኾይነ
ተመን ክንስኺ ርግቢት ተመሲልኪ
ልበይ ደፊንክዮ ብቓል ሓባቢልኪ
ልበይ ደፊንክዮ ብቓል ሓባቢልኪ

ሩፍታ ኽረክብ ክትኮንኒ ኢለ እምነት መጢወልኪ ኣነስ ገርሂ ኾይነ
ብፍቕሪ ተሰኒፈ ግዝኣትኪ እንድየ ኾይነ ካብ ኩሉ ርሒቐ ንዓኺ ኣሚነ
ሩፍታ ኽረክብ ክትኮንኒ ኢለ እምነት መጢወልኪ ኣነስ ገርሂ ኾይነ
ብፍቕሪ ተሰኒፈ ግዝኣትኪ እንድየ ኾይነ ካብ ኩሉ ርሒቐ ንዓኺ ኣሚነ

እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ
እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ
እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ
እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ

ዝነበረ ተስፋይ ድሮ ተበሊሉ መዓር ዝበልክዎ ነገራት ዓርዒሩ
መልኣኽ እናበልኩኺ ኮይንክኒ በንጻሩ ሓቂ ዝፈልጠሉ ግዚኡ ኣኺሉ
ሕጂስ ይኣኽለኒ ካብ ሕሉፍ ክመሃር
ወገንኪ ሓዝለይ ይኣክል ምትላል
ህይወተይ ክመርሕ ክፈልጥ ኣንፈተይ
ሓቀኛ ኸናዲ ዓቃቢት እምነተይ

ኣማኒተይ ኢለ ክኣምን ሓሊነ
እምነት መጢወልኪ ኣነስ ገርሂ ኾይነ
ተመን ክንስኺ ርግቢት ተመሲልኪ
ልበይ ደፊንክዮ ብቓል ሓባቢልኪ
ልበይ ደፊንክዮ ብቓል ሓባቢልኪ

ሩፍታ ኽረክብ ክትኮንኒ ኢለ እምነት መጢወልኪ ኣነስ ገርሂ ኾይነ
ካብ ኩሉ ርሒቐ ግዝኣትኪ እንድየ ኾይነ ንኹሉ ገዲፈ ንዓኺ ኣሚነ
ሩፍታ ኽረክብ ክትኮንኒ ኢለ እምነት መጢወልኪ ኣነስ ገርሂ ኾይነ
ብፍቕሪ ተሰኒፈ ግዝኣትኪ እንድየ ኾይነ ንኹሉ ገዲፈ ንዓኺ ኣሚነ

እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ
እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ
እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ
እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ

እምነት ንዝሃበ እምነት እንድዩ ዓስቢ
ልበይ እናኸፈትኩ ትዓጽውለይ ልቢ
እምነት ንዝሃበ እምነት እንድዩ ዓስቢ
ልበይ እናኸፈትኩ ትዓጽውለይ ልቢ
ንሓቂ ሸፊኑ መንዩ እተዓወተ
ዘይወግሕ መሲልዎ ለይቲ እንተሸፈተ
ወጋሕታ ኣርኪብዎ ዓይኑ እንተዓመተ
ነብሱዩ ኣታሊሉ ኩሉ ኸይፈለጠ

እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ
እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ
እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ
እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ
እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ
እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ
እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ
እንታይሞ እንታይሞ እንታይሞ