Adanoy (ኣዳኖይ)
Feven Habtom
4:41"ይናፍቖ" ብሓደ ጸኒሕናንስ ንናፍቕ፡ ደጊምና ክንርአአ፡ ምቁርን ጥዑምን ንልበይ ዝመልአ ዕላል ናይ ፍቕሪ ቋንቋ ልቢ ዘይክእሎ ልሳን፡ ዘይተበጽሐ ዓሚቑ ምስጢር ናይ ሂወት ድርሳን። እቲ ዝበልካኒ ክሰምዖ ከም ሓድሽ ዕላል ክደግሞ፡ እቲ ዘምሰናዮን ዘዕለልናዮን ሓዲረዮ እንድየ ክሓልሞ፡ ክረኽበካ'ኳ ዘይጸልእ ፡ብኸውታ ለይቲ፡ ካባኽ ጥራይ ይደልዮ ስሓቕ ጻውቲ። ኣንታ ንደጋግግሞ ንደጋግሞ ምሳኻ ኮይነስ ዋላ መዋእል፡ ኣንታ ምሳይ ንዓ'ሞ ክንደጋግሞ፡ ማሙቕ ሑቕፎኻስ ኣቤት ክምቅር። ከምዛ ማይ እንድየ ዝጸምኦ፡ ምሳኻ ዘሕልፎ ህሞት፡ መዓር ልሳንካ ዘውጽኦ፡ ደጋጊምዮስ ዘይጽገብ፡ ኣፍ ዘየኽድን ዕላልካ፡ ኣብ ቅድመይ ኮይንካ ትብለኒ፡ እናሻዕ የኳማስዖ ኣብ ዝኽሪ ልበይ ይቕኒ። ኣንታ ንደጋግግሞ ንደጋግሞ ምሳኻ ኮይነስ ዋላ መዋእል፡ ኣንታ ምሳይ ንዓ'ሞ ክንደጋግሞ፡ ምዉቕ ሑቕፎኻስ ኣቤት ክምቅር። ድርብ!! ይናፍቖ እቲ ህሞት፡ ይናፍቖ እቲ ንብሎ፡ ይናፍቖ እታ ዕላል፡ ይናፍቖ ንኾኖ፡(2) ይናፍቖ እቲ ስሓቕ፡ ይናፍቖ እቲ ሕቑፎ፡ ይናፍቖ እቲ ኹሉ፡ ይናፍቖ ይሃርፎ፡ ወትሩ ይደጋገም፡ በቃ ከሙኡ ንድገም፡ ኣሃ ይደገም፡2) ኣብዛ ጎነይ ዊዕልካስ፡ ኣብ ድቃሰይ ትሓድር፡ ኣብዛ ልበይ ነጊስካ፡ ሕልፊ ኮይንካ ትነብር። ኣብ ድቃሰይ ትመጽእ፡ ነቲ ጋህዲ ዝርእዮ፡ ምሳይ ኮይንካስ ትናፈቕ፡ ትኾነለይ ዝደልዮ፡ ምሳኻ ኾይነ ክውዕል ክሓድሮ እዋን፡ ሕቑፎኻ ሒዘ ክቕምሶ ዘይምኖ ዕላል።