Notice: file_put_contents(): Write of 636 bytes failed with errno=28 No space left on device in /www/wwwroot/muzbon.net/system/url_helper.php on line 265
Fitsum Zemichael - Amoure | Скачать MP3 бесплатно
Amoure

Amoure

Fitsum Zemichael

Альбом: Amoure -, Vol. 5
Длительность: 7:22
Год: 2006
Скачать MP3

Текст песни

ዘገምታዊ ጉዕዞ ሰለይ እንዳበለ
እዚ ሰራም ፍቕሪ ኣምጺእለይ ገለ
ዘገምታዊ ጉዕዞ ሰለይ እንዳበለ
እዚ ሰራም ፍቕሪ ኣምጺእለይ ገለ
ኣይፈለጥኩን ተዳህሊለ ተደርቢሸ ኣነ
ኣሞረ ዝሓድሮ ዘለኹ ዋይ ኣነ

ዘገምታዊ ጉዕዞ ሰለይ እንዳበለ
እዚ ሰራም ፍቕሪ ኣምጺእለይ ገለ
ዘገምታዊ ጉዕዞ ሰለይ እንዳበለ
እዚ ሰራም ፍቕሪ ኣምጺእለይ ገለ
ኣይፈለጥኩን ተዳህሊለ ተደርቢሸ ኣነ
ኣሞረ ዝሓድሮ ዘለኹ ዋይ ኣነ

ትምክሕተኛ ኔረ መን ከማይ በሃሊ
ስዕረት ዘይሙዕጋ ክንብርከኽ ዘይደሊ
ወትሩ ተፈቃሪ ዕቡይ ተደላያይ
ዝፈቱ ዘይኮነስ ተፈትየ በሃላይ
ኣጉል ሕማቕ ባህሪ ኣመና ትዕቢት
ምስጢር ናይ ሰብ ኮንኩ ኣይ ላዕሊ ናይ ታሕቲ
መስጣ'ቲ ብድዐ ጎልጎል ኣትሪፉኒ
ተረፍ ስብእነተይ ተፈታቲኑኒ

ዋይ ፍቕሪ ሓያል ኣምበርኪኽካኒ
ፍጹም ተኻኢለ ትሪ ዘይብለይ ዛሕ ኣቢልካኒ
እዚ ሰላሕታ ውሽጣዊ ሕማም
እንታይ ገዲፉለይ ጌሩለይ እምበር እዋይ ጉዳም
እዋይ እዋይ እዋይ ጉዳም

(ጌሩለይ) እዋይ ፍቕሪ ማሓባ
(ጌሩለይ) ኣንታ 'ዚ ሑብ ኣሞረ
(ጌሩለይ) እዚ ሰባብ ሰላሕታ
(ጌሩለይ) ጉዳም ዓይኒ ቆላሕታ
(ጌሩለይ) ኣ.ሞ.ረ... ዘይሓደገለይ

ዘገምታዊ ጉዕዞ ሰለይ እንዳበለ
እዚ ሰራም ፍቕሪ ኣምጺእለይ ገለ
ዘገምታዊ ጉዕዞ ሰለይ እንዳበለ
እዚ ሰራም ፍቕሪ ኣምጺእለይ ገለ
ኣይፈለጥኩን ተዳህሊለ ተደርቢሸ ኣነ
ኣሞረ ዝሓድሮ ዘለኹ ዋይ ኣነ

ለካስ ሓቃቶም'ዮም ኣበው ክምስሉ
ኩናት ዘይወዓለ በሊሕ'ዩ እንዳበሉ
ተሰቁርኒ'ሎ ኣባይ ምስ በጽሐ
ደጊም ኣይምካሕን ለቢመ ጎሪሐ

ምንም ዘየላቡ ድቦላ ምኻኑ
እዋይ ፍቕሪ ስራይ ኣቤት ምጭካኑ
ንሕስያ ዘይብሉ ጻዕዳ ኣይብል ጸሊም
ንኹሉ ዘንበርክኽ ፈውሲ ኣልቦ ሕማም

ዋይ ፍቕሪ ሓያል ኣምበርኪኽካኒ
ፍጹም ተኻኢለ ትሪ ዘይብለይ ዛሕ ኣቢልካኒ
እዚ ሰላሕታ ውሽጣዊ ሕማም
እንታይ ገዲፉለይ ጌሩለይ እምበር እዋይ ጉዳም
እዋይ እዋይ እዋይ ጉዳም

(ጌሩለይ) እዋይ ፍቕሪ ማሓባ
(ጌሩለይ) ኣንታ 'ዚ ሑብ ኣሞረ
(ጌሩለይ) እዚ ሰባብ ሰላሕታ
(ጌሩለይ) ጉዳም ዓይኒ ቆላሕታ
(ጌሩለይ) ኣ.ሞ.ረ... ዘይሓደገለይ

መለይ ተሰቑርኒ'ሎ ኣባይ ምስ በጽሐ
ደጊም ኣይምካሕን ኣነስ ሎምስ ጎሪሐ
ሎምስ ጎሪሐ ሎምስ ጎሪሐ
እምብለይ ሎምስ ጎሪሐ

መለይ ተሰቑርኒ'ሎ ኣባይ ምስ በጽሐ
ደጊም ኣይምካሕን ኣነስ ሎምስ ጎሪሐ
ሎምስ ጎሪሐ ሎምስ ጎሪሐ
እምብለይ ሎምስ ጎሪሐ

መለይ ተሰቑርኒ'ሎ ኣባይ ምስ በጽሐ
ደጊም ኣይምካሕን ኣነስ ሎምስ ጎሪሐ
ሎምስ ጎሪሐ ሎምስ ጎሪሐ
እምብለይ ሎምስ ጎሪሐ

ኣነስ ጎሪሐ ሎምስ ጎሪሐ
እምብለይ ሎምስ ጎሪሐ

እምብለይ