Dahay Habi
Alek Tewelde
3:54ጽምብላሊዕ ብጽምብላሊዕዶ ክምስለኪ ባይታ እና ኸደነት ዘይተማሙቕ ኣካላ ኣነ እና ኣፍቕርኩኺ ናብ ዘየፍቀሩኺ ትሰሊ ሓሚምኪዶ ጽሉል ፍቕሪ በደልኪ በዚሑ ብይቕረ ምባል ረብሪበ ሽሕ እንተ ጸላእኩኺ ክልተ ሽሕ የፍቕረኪንዴ ፈተና ድዩ ፍቕሪ ይገርመኒሎ በጃኺ ከመይ ጌረየ ክሕዘኪ መልክዕክን ግርማኽን ይመርሓኪሎ ናብ ጌጋ ንዓይ ሸመመኒ ኣብ ዘይፈልጦ ሓደጋ ካብ ኩሉ መደበይ ኣጎናዲብክኒ ፍቕሪ ፍቕሪ ክጻወት ጸሓይ ዓሪብኒ ባህጊ ልበይ ዓይነይ ኣይተንብዒ ቐኒኤኳ ልበይ ቐሊዮ ተቓጺለ ነዲደ ብፍቕሪ ዝኽምስምስ ክንደይ ትኽእልዮ ጽንብካሊዕ ጻዕዳ ጻዕዳ ዋይ ክጽብቕ ዚ ክሳዳ ዘመርኩላ ትማል ብህጻነይ መሰልኩላ ሎሚ ኣብ ጸገመይ(2) መኒኽዮ ዲኺ ነዚ ሑቕፎይ ብሰንክኺ ወዲኤ ዘብዘበይ ንሰሙንዶ ክኸይድ ኣርሒቐ ከይስበለኪ እንዶሞ ፈሪሐ ጽምብላሊዕ ጻዕዳ ጻዕዳ ዋይ ክጽብቕ ዚኽሳዳ ዘመርኩላ ትማል ብህጻነይ መሰልኩላ ሎሚ ኣብ ጸገመይ ጽምብላሊዕ ካብ ፈለማ ኣባ ጮጎራ ነበርኪ ኣሹንኳይ ዝግደሱልኪ ኣይነበሩን ዝግደሱልኪ ሎሚ ግን ዓሰሉኺባ ዕስለ እንስሳ መሲሎም ዋናኺ ከረሱዑኺ የስምዑኺሎዉ ቓሎም የስምዑኺለዉ ቓሎም(4) ኣለኹኺባ ኣልዓልኩኺባ ነታ ዕምበባ ክሳብ ትመስሊ ኣይተጸበኹዎን ዚ ኹሉ ግዜ መልክዕኪ ክስዕሮ ንሕልናኺ ዕድመ መልክዕ ክንዲ ቑጽሪ ኣጻብዕ ረጋፊዩ ዚ ናይሎሚ ጭልቅዕ ግደፊባ ኣይተእትዊ ጓና ንሓዋሩ ከይበዝሕ ዕዳና ግጥምን ዜማን መንግስተኣብ ገብረገርግሽ