Kem Alemey

Kem Alemey

Wedi Tikabo

Альбом: Fewsi Libi
Длительность: 6:16
Год: 2009
Скачать MP3

Текст песни

እንተ ኣነስ ክኽእሎ'የ ተጸሚመ ከሕልፎ በይነይ ኮይነ ብጽሒተይ
ግን ናትኪ እንተጎደሎ 'ታይ ይኸውን ዘይትብሊ መማልእተይ
ቅድም ዘይነበርክን ጨኪንክለይ ራህርህለይ ራህርህሉ ራህርህለይ

ኪኖ ሓሳብ ስግር ገደል ኪኖ እምባ እወ ተምሳል ሜዳ
ልበይ ነበር ምቁር ሕልሚ ሕሰም ጋህዱ ናይ ንእስነት ዕዳ
ራህርህለይ ራህርህሉ ንገዛና ገጽኪ ቁሊሕ በሊ
ሕሉፍ ፍቕሪ ዘክርዮ ብዘገምታ ንኹሉ ኣስተብህሊ

ኣይ ንስኺ እንዲኺ ሄዋን እታ ዕጸ በለስ ተቐብሎ
ቀዳማይ ጌጋኺ ገና ከይተዋሕጠ ኣብ ዓንቀረይ ከሎ
ከምቲ ንምነዮ ምስሊ ኽልቴና ምስሉ ምስ ፈጠረ
ሕምባሻ ዓመቱ ክንዲ ብኽልተ ንሕዘሉ ማዕረ

ኣግዲዕክኒ በይነይ ክሕመሎ
ኣደይ ተበለስ ኣቤላ'የ ኽብሎ
ዋላ ልበይ ተዘይበደለኪ
ንዝጊ እጥዓሞ ይቕረ ናበለኪ
ዝበደለ ይቕረ እንተሓተተ
ጌጋ ኣይኮነን ትዕቢት እንተሞተ

ኣነስ'ኳ ከም ዓለመይ ነቲ ህጻን ተገደሲ
ሕሰቢ'ሞ ኣስተንትኒ ዘክሪ'ሞ ደጊም ተጣዓሲ
ኣነስ'ኳ ይኽእሎ ከም ዓለመይ ነቲ ህጻን ጥራይ ተገደሲ
ሕሰቢ'ሞ ኣስተንትኒ ዘክሪ'ሞ ደጊም ተጣዓሲ

ኪኖ ሓሳብ ስግር ገደል ኪኖ እምባ እወ ተምሳል ሜዳ
ልበይ ነበር ምቁር ሕልሚ ሕሰም ጋህዱ ናይ ንእስነት ዕዳ
ራህርህለይ ራህርህሉ ንገዛና ገጽኪ ቁሊሕ በሊ
ሕሉፍ ሓሳብ ዘክርዮ ብዘገምታ ንኹሉ ኣስተብህሊ

ሳሕቲ'ሎ ዕንቅፋት ኣብ ፍቕሪ ኣብ ጽልኢ ኣብ ሓጎስ ኣብ ጓሂ
ዘሎ ኣብ ዓለም ከሎ 'ታይ ትግደስሉ ብውሽጥኺ ንጽሂ
እምበር መንቀል ጌጋ ካብ ካልእ ኣይኮነን ዝጸንሐ ካብ ቀደም
ካባኺ'ዩ ሄዋን ኣይኮነን ካብ ኣቤል ካብ ቃኤል ካብ ኣዳም

ዋላ ይኹን ኣነ በደለኛ
'ታይ ገበረ ህጻን ኣብ ሞንጎና
ኣብ ጌጋ ናትክስ ኣነ በዳል ኮይነ
ከዕቢ ውሉደይ ቀምሽ ተኸዲነ
ስሩት ሓሳብ እንከይተዛዘመ
ኣጋሊጽክዮ ዘኽታም ንኽስመ

ኣነስ'ኳ ከም ዓለመይ ነቲ ህጻን ተገደሲ
ሕሰቢ'ሞ ኣስተንትኒ ዘክሪ'ሞ ደጊም ተጣዓሲ
ኣነስ'ኳ ከም ዓለመይ ነቲ ህጻን ተገደሲ
ሕሰቢ'ሞ ኣስተንትኒ ዘክሪ'ሞ ተጣዓሲ
ኣነስ'ኳ ከም ዓለመይ ነቲ ህጻን ተገደሲ
ሕሰቢ'ሞ ኣስተንትኒ ዘክሪ'ሞ ተጣዓሲ