Notice: file_put_contents(): Write of 661 bytes failed with errno=28 No space left on device in /www/wwwroot/muzbon.net/system/url_helper.php on line 265
Yemane Barya - Dhayki Tefieuni | Скачать MP3 бесплатно
Dhayki Tefieuni

Dhayki Tefieuni

Yemane Barya

Длительность: 6:04
Год: 2014
Скачать MP3

Текст песни

ፈለማ መግዛእቲ እግሩ ምስ ሰደደ (2)
ወዮ ለምለም መርየት ሺዑ ዝረደደ
ሃብትና ተበሪሱ ሓደ በብሓደ
ካብ ሺዑ ጀሚሩዩ ኤሪትራዊ ዝተሰደ

ኣየዕረፍን ዘሎ ክሳብ ሎሚ ለይቲ
ኣየዕረፈን ኮታ ክሳብ ሎሚ ለይቲ
ወሰኸሉ ደኣ ኣደዳ መቅዘፍቲ
ብሰማይ ብመርየት ብባሕሪ ኣቢሉ
ተበታቲኑ ኮታ ኤሪትራዊ ኩሉ

ዋይ ክሓስም ካላእ ይዋረዶ
ሚዛን ስደት ህዝቢ ዘይኸብዶ
ዋይ ክሓስም ካላእ ይዋረዶ
ሚዛን ስደት ህዝቢ ዘይኸብዶ

እዋይ ኣነ ኣነ ኣነ ኤሪትራዊ (2)
ርብዒ ዘመን ሓሊፉ ንመሰለይ ከእዊ
ሰብ ወላ ኣይረኸብኩን ሕማመይ ዘሕዊ
እካ ቁሩብ ተስፋ ድልየተይ ዘርዊ

ቃንዛ ስቃይ ስደት ኣመና ዝመረሮ
ቃና ስቃይ ስደት ኣመና ዝመረሮ
ኤሪትራዊ ዜጋ ፍትሒ ዝተቀብሮ
መውጋእቱ ከይስማዕ ዝተጻሕፈ ብጎረሮ
ቃንዛ ስቃይ ስደት ኣመና ዝመረሮ

ዋይ ክሓስም ጸላኢና ይዋረዶ
ሚዛን ስደት ህዝቢ ዘይኸብዶ
ኣብየት ክሓስም ጸላኢና ይዋረዶ
ሚዛን ስደት ህዝቢ ዘይኸብዶ

ፈለማ መግዛእቲ እግሩ ምስ ሰደደ (2)
ወዮ ለምለም መርየት ኣሻቡ ረደደ
ሃብትና ተበሪሱ ሓደ በብሓደ
ካብ ሺዑ ጀሚሩዩ ኤሪትራዊ ዝተሰደ

ኣብየት ክሓስም ጸላኢና ይዋረዶ
ሚዛን ስደት ህዝቢ ዘይኸብዶ
ዋይ ክሓስም ጸላኢና ይዋረዶ
ሚዛን ስደት ህዝቢ ዘይኸብዶ