Gu’E Leminey

Gu’E Leminey

Wedi Tikabo

Альбом: Fewsi Libi
Длительность: 5:29
Год: 2009
Скачать MP3

Текст песни

ወዲ ሃይለ ሰባሪ ዓታሩ
ከይረኽበኪ ሓሪቑ ነዲሩ
ብጊሓቱ ወጽየ እንድየ ሓለዋ
ከይረኽበኪ ጸኒሑ ኣብ ጽምዋ
ኣብቲ ሸኻ ናብቲ ልሙዕ ሳዕሪ
ከነዋግዕ ብምልእታ ቐትሪ
ኣርኢኽኒ ከምኡ ኸም ትገብሪ
'ታይ ሙኻኑ ነጊርክኒ ፍቕሪ
ሸዊት ስገም ፍቕሪ 'ናቋሰና
ቅርኒብ ኮይነን ኣዋልድ ዓድና
ተቐልቂለን ደርፊ እናደረፋ
ወግሐ ጸብሐ ንዓይ ክጻረፋ

ጉዕ ለሚነይ ተቐልቀሊ
ኣብቲ ሸኻ ምሳይ ውዓሊ
ጉዕ ለሚነይ ተቐልቀሊ
ኣብቲ ሩባ ምሳይ ውዓሊ

ዳስ ዓድና ኣብቲ ዕሙር ጓይላ
ተድክምየን ኩለን ሰብ ነጸላ
ኣጓብዝ ዓድና እርእዮም ድሮ
ትብእስ ሓዲሮም ብኸበሮ
ሕሉው ሓዲረኪ ተካል ሕድሮ
ከይወስዱኺ ገሊኦም ከታሮ

ኣብቲ ማእከል ምርኣይኪ ስኢነ
ደልየኪ እዛ ለይተይ ደፊነ
ሓውሲ እናተባህለ ስብ ወጋሕታ
መለስክያ ልበይ ብፍሽኽታ
ፈሪሀ እንዶ ከይርእይዎ መስታ
ፍሽኽታኺ እቲ ብሩህ ክምስታ
ከይኾኑ ከምቲ ዝኾንክዎ
ኣብ ፍቕሪ'ዶ ኩሉ ልቢ'ለዎ?

ጉዕ ለሚነይ ተቐልቀሊ
ኣብቲ ሸኻ ምሳይ ውዓሊ
ጉዕ ለሚነይ ተቐልቀሊ
ኣብቲ ሩባ ምሳይ ውዓሊ

ኣብቲ ሸኻ'የ...
ምልዖ እንታይ'ሞ እንታይ'ሞ
ኣቲ እንታይ'ሞ እንታይ'ሞ
ምልዖ እንታይ'ሞ እንታይ'ሞ
ኣቲ እንታይ'ሞ እንታይ'ሞ
ፍቕሪ ለዋህ ኢለ ኽዛዝሞ
ፍቕሪ ጥዑም ኢለ ኽዛዝሞ

ወዲ ሃይለ ሰባሪ ዓታሩ
ከይመጸኪ ሓሪቑ ነዲሩ
ብጊሓቱ ወጽየ እንድየ ሓለዋ
ከይረኽበኪ ጸኒሑ ኣብ ጽምዋ
ኣብቲ ሸኻ ናብቲ ልሙዕ ሳዕሪ
ከነዋግዕ ብምልእታ ቐትሪ
ኣርኢኽኒ ከምኡ ኸም ትገብሪ
'ታይ ሙኻኑ ነጊርክኒ ፍቕሪ
ሸዊት ስገም ፍቕሪ 'ናቋሰና
ቅርኒብ ኮይኑ ኣብ ማእከል ዓድና
ተሓቢአ ወንጭፍ ክበትከሉ
ሎሚ ዓድና ዝበሉ ይበሉ

ጉዕ ለሚነይ ተቐልቀሊ
ኣብቲ ሸኻ ምሳይ ውዓሊ
ጉዕ ለሚነይ ተቐልቀሊ
ኣብቲ ሩባ ምሳይ ውዓሊ

መጠነይ'ዩ ዋላ ኣየስሚ
ዝነብር'የ በታ ናተይ ዓቕሚ
እንዳቦኺ ሰብ መዓረ ጠስሚ
ከይመስሎም ዝደለኹ ገዝሚ
ኣርብዓ ላም ኣርብዓ ዝራብዕ
ከይሓዝኩ'ሞ ከመይለ ኽተብዕ
ሕተቶም ትብልኒ ነዞም ገዛ
'ታይ ኣለዋ ቤተይ ዘይ ኣጎዛ
ኣጎዛና ወያ ትፈልጥያ
ፍቕሪ'ለዋ ሟሙቕ'ያ ትብልያ
ከምኣ እንዲኺ ከምታ ዝምነያ
እንኪ ስመይ ሃየ ውሰድያ
ንዓኺ'ዶ እዚ በዚሑኪ?
እዛ ልበይ ጨዲደ ኽህበኪ

ጉዕ ለሚነይ ተቐልቀሊ
ኣብቲ ሸኻ ምሳይ ውዓሊ
ጉዕ ለሚነይ ተቐልቀሊ
ኣብቲ ሩባ ምሳይ ውዓሊ

ኣብቲ ሩባ'የ...
ምልዖ እንታይ'ሞ እንታይ'ሞ
ኣቲ እንታይ'ሞ እንታይ'ሞ
ምልዖ እንታይ'ሞ እንታይ'ሞ
ኣቲ እንታይ'ሞ እንታይ'ሞ
ፍቕሪ ለዋህ ኢለ ኽዛዝሞ
ፍቕሪ ለዋህ ኢለ ኽዛዝሞ

ክዛዝሞ'የ...
ክዛዝሞ'የ
ፍቕሪ ለዋህ ኢለ ክዛዝሞ