Notice: file_put_contents(): Write of 643 bytes failed with errno=28 No space left on device in /www/wwwroot/muzbon.net/system/url_helper.php on line 265
Amanuel Weldegabir - Euf Genet | Скачать MP3 бесплатно
Euf Genet

Euf Genet

Amanuel Weldegabir

Альбом: Asmera Elki
Длительность: 5:31
Год: 2011
Скачать MP3

Текст песни

ህዱእ ባሕሪ ኣብ ማእከሉ
ብድሙቕ ፍሽኽታ ዓንጊልክኒ
ረኺብክያ ልበይ ብርሃን ዓይኒ

መጋርያ ኣጉድና ኸነዕልል
ሃልሃልታ ኣብሪህዎ ገጽኪ ጸዳል
ኩመል መልክዕኪ ኣስተማቒረዮ
ተሓቢነ ብባህታ ርእየዮ
ተሓቢነ ብባህታ ርእየዮ
ኣብቲ ለይቲ ኣዕሊልካ ዘይምኖ
ዝመቀረ ባዕለይ ክውንኖ
ማይን ጸባን ከም ደብርን ባሕታዊን
ቀሪብክኒ ሓደ ንኽንከውን
ቀሪብክኒ ሓደ ንኽንከውን

ተደሪረ ጥዑም ተደረሪ
ልዋም ድቃስ'ዩ ንሓሳብ ዘብሪ
ምቁር ቃልኪ ከፊቱ ሸውሃተይ
ተቦኪረ ዓጊበ ህይወተይ
ምቁር ቃልኪ ከፊቱ ሸውሃተይ
ተቦኪረ ዓጊበ ህይወተይ

ጸባ ኣስናንኪ ፍሽኽታ ህያቡ
ክርእየኪ ወጊሑ ዓሪቡ
ኣሟሚቕኪ ውሽጠይ ሂብኪ ሩፍታ
ረኺበኪ ፍቕረይ ኣብ ሰዓታ
ኣሟሚቕኪ ውሽጠይ ሂብኪ ሩፍታ
ረኺበኪ ወልፈይ ኣብ ሰዓታ

ህዱእ ባሕሪ ኣብ ማእከሉ
ብድሙቕ ፍሽኽታ ዓንጊልክኒ
ረኺብክያ ልበይ ብርሃን ዓይኒ

ህያብ መሬት 'ቲ ጸጋ ናይ ባህሪ
ተዓዲልኪ ትዕድልቲ ፈጣሪ
'ታ ዝፈልጣ ጸሓይ ኣብ ቅድሜኺ
ምበልክዋ ብርሃና ትሕቴኺ
ምበልክዋ ብርሃና ትሕቴኺ
ኣብ ልበይ ሰፊርኪ ከም ዑፍ ገነት
ዓንዲርክሉ ኣሳፊሕኪ ደመት
ዝዳረግ ነይብልኪ ኣብዛ ዓለም
ምሒለልኪ ቃል ማሕላ ዘይጥለም
ምሒለልኪ ቃል ማሕላ ዘይጥለም

ተደሪረ ጥዑም ተደረሪ
ልዋም ድቃስ'ዩ ንሓሳብ ዘብሪ
ምቁር ቃልኪ ከፊቱ ሸውሃተይ
ተቦኪረ ዓጊበ ህይወተይ
ምቁር ቃልኪ ከፊቱ ሸውሃተይ
ተቦኪረ ዓጊበ ህይወተይ

ጸባ ኣስናንኪ ፍሽኽታ ህያቡ
ክርእየኪ ወጊሑ ዓሪቡ
ኣሟሚቕኪ ውሽጠይ ሂብኪ ሩፍታ
ረኺበኪ ፍቕረይ ኣብ ሰዓታ
ኣሟሚቕኪ ውሽጠይ ሂብኪ ሩፍታ
ረኺበኪ ወልፈይ ኣብ ሰዓታ
ኣሟሚቕኪ ውሽጠይ ሂብኪ ሩፍታ
ረኺበኪ